SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
00:00
00:00

Episode's summary

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast

Episodes

6592-

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያ ምስ ካልኦት ጉጅለ መራሕቲ ዓለም ብምዃን ነቲ ፕረዚደንት ፍልስጤም ሓፈሻዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝወሰዶ ውሳነ ኮኒናቶ። ** ምልሻታት ሑቲ የመን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ባርዕ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ** ኣሰልጣኒ ካንጋሩስ ኬቪን ዋልተርስ ጋንትኡ ኣቐዲማ ክትዕወት ምዃና ገሊጹ። #sbsaudiopodcast

15 Oct 2026
6591-

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (15 ጥቅምቲ 2026) #sbsaudiopodcast

15 Oct 2026
6590-

“ሰራዊት ኣብይ ንዓሰብ ክሕዝ ከምዘይክእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ’የ።” ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሓድሕድ ኲናት ናብ ዶብ ኤርትራ ተጸጊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋንነት ባሕሪ ብምልዓል ንወደብ ዓሰብ ናይ ምቁጽጻር ክኒኡ ሓሊፉ'ውን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘረባታት ካብ መራሒኣ ኣትሒዝካ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ይዝረበሉ ኣሎ። ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማሲ ወደብ ዓሰብ ከነምልስ ኣብዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ገዲዱ ኣሎ። እዚ ዘሎ ወጥሪ ናበይ ገጹ'ዩ ከምርሕ፧ ኤርትራ ንዝመጻ መጥቃዕቲ ክትምክት ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ? ዝብሉን ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶታትን ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast

15 Oct 2026
6589-

ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ተጸጊዖም። (ጸብጻብ)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝተፀገዐ ነበርቲ ኣረጋጊጾም። ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዘውጽኣ ሃገራት ሸሞንተ በጺሑ። ብሰንኪ ኲናት ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ዘመነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም ግእዝ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሱዳን ኢትዮጵያ ንRSF ምድጋፍ እንተድኣ ኣቋሪጻ ዝርርብ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ምትሕብባር ኣብ ዝኽእላሉ መንገዲ ከም ዝተዘራረባ ኣፍሊጠን። #sbsaudiopodcast

15 Oct 2026
6588-

መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (14 ጥቅምቲ 2026)

*** ነቲ ናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ገዛ ኽራይ ገደብ ክግበረሉ ዝጽውዕ ድምጺ እናበዝሐ መጺኡ።... *** መስርሕ ፍርዲ ናይታ ኣብ ጀርመን ኣካላታ ተቖራሪጹ ዝተረኽበ ኤርትራዊት ስደተኛ ጀሚሩ። *** ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ድሕሪ ዘጋጠመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዋንጫ ኤስያ ስክፍታታት ጸጥታ ኣለዓዒሉ። #sbsaudiopodcast

14 Oct 2026